በይዛ ህዝቢ: ማእገር ሃገር
ተጋዳላይ ጀነራል ኣብርሃ ወ/ማርያም ካብ ኣብኡ ሃለቃ ወ/ማርያም ገንዘቡን ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ታደለች በርሀን ኣብ ማእከላይ ዞባ ወረዳ ወርዒ ለኸ ጣብያ እንዳ ጭዋ ብነሓሰ 21/1953ዓ/ም ተወሊዱ፡፡ዕድመ ቁልዕነቱ ምስ ወለዱ ኮይኑ ከምቲ ኩሉ ወዲ ሓረስታይ ትግራዋይ ዝዓበየ ኮይኑ ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ኣብ ማይ ምሻም ዝርከብ ቀዳማይን ማእኸላይን ትምህርቱ ተማሂሩ፡፡